ጥሜት ኣብ ዘይብሉ እዋን ህያዋን ፍጡራት ንመግቢ ካብ ነንሕድሕዶም ሓገዝ ኣይክጽበዩን እዮም፤ ትጽቢት ኣብ ዘይብሉ እዋን እቲ ናይ ምሕጋዝ ተግባር ኣይፍጸምን እዩ፤ ከምኡ ምስ ዘይከውን ርህራሄ ኣብ ህያዋን ፍጡራት ኣይክግለጽን እዩ፣ እዚ ምስ ዘይግለጽ ድማ ጸጋ ኣምላኽ ክቕበል ኣይክእልን እዩ።
ስለዚ ጥሜት እውን ብእግዚኣብሔር ዝተዋህበ ሓጋዚ መሳርሒ ምዃኑ ክርዳእ ይግባእ።